ብሕጊ ክሕተት ዘለዎ ሰብ
እዚ አቅሪብናዮ ዘሎና ጽሑፍ ብዛዕባ ሓደ ኤርትራዊ ሰብ ኣብ ኡጋንዳ ዝቅመጥ ኮይኑ ከቢድ ክሲ’ዩ ክትዛረበሉ ዘይትደፍርን ዘሰምብድን ‘ዩ እዚ ክንጽሕፍ ከአ ብዙሕ ተዘራሪብናሉን ሓሲብናሉን ኢና ::
እዚ ሰብ ከኣ ምሕረታብ ስዩም ተመልሶ ዝበሃል ኮይኑ ንዮርሳለም ተወልደብርሃን ዝተባህለት ን3ዓመት ዝኣክል ተጋሲስዋ ከብቀዕ ካብኡ ምስ ሃደመት ከኣ ክሕግዛ ንዝፈተነ ሰብ ማለት ሄርሞን ሃብተሚካእል የፈራርሖን የእስሮን አሎ : ዮርሳለም ኣብ ፖሊስ ኡጋንዳ አብ ኤምባሲ ኤርትራ ኡጋንዳ ከሲሳቶ አላ ::
ዮርሳለም ከም ዝሃበቶ ቃል ንብዙሓት ደቂ አንስትዮ ከም ዝዓመጸን ካብ ኩለን ዝገደደት ከአ ንጓሉ ጓል8 ዓመት ውን ከይተረፈ ምስኣ ርክብ ከም ዝገብርን’ዩ ::
ንሕና ብወገና ነዚ ገበነኛ ሰብ ሱቕ ኢልና ክንሪኦ ስለዝይንከል አብ ፖሊስ በልጂኡም ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ በልጂኡም ኣብ እምባሲ ኡጋንዳ ኣብ ኢንተርፖል ኣመልኪትናሉ አሎና ::
እዚ ሰብ ግን ገበኑ ንምሽፋን ዘይገብሮ ነገር የለን : ንዮርሳለም ኣብ ዝከደቶ ዓዲ ከይዱ ክጨውያ ብዙሕ’ዩ ፈቲኑ ክሳብ ሕጂ ከም ዝፍክሮ ዘሎ ከኣ ኣብ ዝኣተወቶ ኣቲዩ ብደማ ክሕጸብ ሙኹኣኑ’ዩ : ስለዚ ንሱ ፈኸሩኡ ንምትግባር ብዙሕ ይጽዕር እኳ እንተሃለወ ንሕና ውን ነዚ ነገር ከም ቀሊል ከይረአና ተገዲስና ሒዝናዮ አሎና ::
ካላኣይቲ ግዳይ ውን ኮኾብ ኪሮስ ትበሃል ኮይና ኣብ ልዕሊኣ ውን ብዙሕ ማህረምትን ግፍዕን ‘ዩ አውሪዱላ አታሊሉ ሓዳር ክገብረልኪ ኢሉ ድሕሪ ምምጻእ ማለት’ዩ : ንሳ’ውን ካብኡ ሃዲማ ብምውጻእ ሂወታ ከተድሕን ትጽዕር ዘላ ሰብ’ያ : ሕጂ’ውን ተኾነ አብ ኤምባሲ ኤርትራ ጁባ ተዓቚባ ትርከብ :: ካብኡ ምስ ትወጸእ ከኣ ንሂወታ አስጋኢ ዝኾነ ደረጃ በጺሓ አላ :: ‘ቲ ንኽሕግዛ ዝፈተነ ሰብ ማለት ሄርሞን ሃብተሚካእል ብሓሶት ክስታት እንዳቀያየረ የእስሮን የፈራርሖን አሎ ::
እዚ ሰብ ግን መንዩ ንምንታይ ኢዩ’ኸ ክሳብ ክንድዚ ንደቂ ሰባት እንዳበደለ ሱቅ ኢልና ንጽመሞ ዘሎና : እምበአር ንሕና ከም ሰብ መጠንን ከም ግዱሳት ዜጋን ንኹእሎ ዘበለ ኩሉ ንገብር አሎና : ንዝምልከቶም ንብሎም ከኣ አመልኪትና አሎና : ዝሓሸን አድማዕን ትብልዎ መገዲ እንተሃሊዩ ክትሕብሩና ንላቦ :: እዚ ሰብ እዚ ካብ ሕጊ ወጻኢ ከም ዝኸይድን ድላዩ ከም ዝገብርን ብገንዘብ ጌሩ ንቡዝሓት ሰባት ከም ዘእስርን ከም ዘፈራርሕን በጺሕናዮ አሎና :ስለዚ ኩልና ብዝተካእለና መጠን ነዚ ሰብ ኣብ ሕጊ ከነቅርቦ ክንጸዕር አሎና :እዚ ሓበሬታ ኣብ ኩሉ ንኽበጽሕን ብዙሓት በዚ ሰብ ዝተበደሉ’ ውን ሰለዘለዉ ካብኦም ከኣ ሓበሬታ መታን ክንረክብን ነዚ ዝገብሮ ዘሎ ንኸይቅጽሎን ኣብ ሕጊ ንኽቀርብን ናይ ኩልና ሓላፍነት’ዩ’ሞ አብ ምብዛሓ ተሓባበሩና የቕንየልና ::