ኣላ ምሕረታብ


mihretab-lies

ኣላ ምሕረታብ

 

ምሕረት ኣይሃብካ ብዓል ሓላይ
ዕድኻስ ኒሩ ዓድ ሽማምንቲ ሓንበላይ
ተፈጢርካ ኣብ መወዳአታ ጉሕላይ
ኣላ ምሕረታብ ሃላይ ባዓል ሓላይ
እረ ካባይ ኢኻ ወዲ ቀዳመይቲ ዲኻ ወይ ዳሕረወይቲ
ሕቁኡ ሰቢርካዮ ነቦኻ ወዲ ሰበይቲ
ከሙኡ ኣዚዞም ኣቶም ጠንቆልቲ
ገና ወረ መወዳእታኡ ኪትኣቱ ኢኽ ኣብ ጉሁም ባዕቲ
ኣላ ምሕረታብ ነባሪ ከባቢ ሰገነይቲ
ኣቦታትካ’ስ ጀጋኑ ኒሮም ባዓል ኣባ ጥመር
ሕጹባት ማንጣ በተኽቲ መስመር
በየን ተፈጢርካ ጊሒላ ገበል
እዛ ትገብራ ዘሎካ ዓስባ ሓጻር እያ ክትቅበል
ናትካስ ኣርሚሙኒ ተላጊጾምልካ ገሪሙኒ
ኪንዉሕጦ ንብል ከም ደምስኒ
ሎምስ ያኣክል ምህረታኣብ ቆርቂስካኒ
ከዉጻኣ ኣየ ኣታ ምስጢር ዘርእካኒ
ኣታ ሃላይ ብዓል ሓላይ ገንዘብ ዚዕሸዎ
ኣይመስለካን እምበር ኩሉ ጊዚ ኣለዎ
ኣድህበሉ ማዕረ ዕድሚካ ዚደረፍዎ
ምሕረት ኣይትርከብ ኣታ ደንቆሮ
እረ ፍጥረትካ እንታይ እዩ ሰሚዒትካ
ትሃርፋ ባቃ ኪትከዉን መዝሓሊ ስሚዕትካ
ተፈሊጥካ ሕጂ ብጥርኑፍ ይወጽእ ኣሎ ምስጢርካ
ኣዲኻ ኣይትስማዕ ዓድኻ ኣይስሙዑ ኣዝማድካ
ኩሉ ዚገብር ካብ ላዕሊ ከሎ ፈታሪ
መሲሉካ ጊርካዮ ሃብትኻ ኣብዛ ምድሪ
ሕቆኻ ትስበርካ ተራር ኣዉሊዕ በትሪ
ዘይሰምዕ ዶ ኢልካዮ ንብዓት ዚጋታትና ፈታሪ

ኤረትራ ኣስመላሽ
26/03/2016

Posted on March 28, 2016, in Uncategorized. Bookmark the permalink. 1 Comment.

  1. hanibal eritrean

    mangilu mhratab hada balaga sab ayu fnfun hsur sab ayu azi sab ab hgi qaribu adlayi sgumti zadlyo ayu manm eritrewi nazi shalal zaybahal sab ayu

    Like

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

%d bloggers like this: