ኣላ ምሕረታብ
ኣላ ምሕረታብ
ምሕረት ኣይሃብካ ብዓል ሓላይ
ዕድኻስ ኒሩ ዓድ ሽማምንቲ ሓንበላይ
ተፈጢርካ ኣብ መወዳአታ ጉሕላይ
ኣላ ምሕረታብ ሃላይ ባዓል ሓላይ
እረ ካባይ ኢኻ ወዲ ቀዳመይቲ ዲኻ ወይ ዳሕረወይቲ
ሕቁኡ ሰቢርካዮ ነቦኻ ወዲ ሰበይቲ
ከሙኡ ኣዚዞም ኣቶም ጠንቆልቲ
ገና ወረ መወዳእታኡ ኪትኣቱ ኢኽ ኣብ ጉሁም ባዕቲ
ኣላ ምሕረታብ ነባሪ ከባቢ ሰገነይቲ
ኣቦታትካ’ስ ጀጋኑ ኒሮም ባዓል ኣባ ጥመር
ሕጹባት ማንጣ በተኽቲ መስመር
በየን ተፈጢርካ ጊሒላ ገበል
እዛ ትገብራ ዘሎካ ዓስባ ሓጻር እያ ክትቅበል
ናትካስ ኣርሚሙኒ ተላጊጾምልካ ገሪሙኒ
ኪንዉሕጦ ንብል ከም ደምስኒ
ሎምስ ያኣክል ምህረታኣብ ቆርቂስካኒ
ከዉጻኣ ኣየ ኣታ ምስጢር ዘርእካኒ
ኣታ ሃላይ ብዓል ሓላይ ገንዘብ ዚዕሸዎ
ኣይመስለካን እምበር ኩሉ ጊዚ ኣለዎ
ኣድህበሉ ማዕረ ዕድሚካ ዚደረፍዎ
ምሕረት ኣይትርከብ ኣታ ደንቆሮ
እረ ፍጥረትካ እንታይ እዩ ሰሚዒትካ
ትሃርፋ ባቃ ኪትከዉን መዝሓሊ ስሚዕትካ
ተፈሊጥካ ሕጂ ብጥርኑፍ ይወጽእ ኣሎ ምስጢርካ
ኣዲኻ ኣይትስማዕ ዓድኻ ኣይስሙዑ ኣዝማድካ
ኩሉ ዚገብር ካብ ላዕሊ ከሎ ፈታሪ
መሲሉካ ጊርካዮ ሃብትኻ ኣብዛ ምድሪ
ሕቆኻ ትስበርካ ተራር ኣዉሊዕ በትሪ
ዘይሰምዕ ዶ ኢልካዮ ንብዓት ዚጋታትና ፈታሪ
ኤረትራ ኣስመላሽ
26/03/2016
Posted on March 28, 2016, in Uncategorized. Bookmark the permalink. 1 Comment.
mangilu mhratab hada balaga sab ayu fnfun hsur sab ayu azi sab ab hgi qaribu adlayi sgumti zadlyo ayu manm eritrewi nazi shalal zaybahal sab ayu
LikeLike